ሃገራዊ ሽማግለ ኤርትራውያን ኣብ ሽወደን፡ ኖርወይ፡ ደንማርክን ፊንላንድ
ዕላማን ተልእኾን
August 1 — December 1
History and Achievments
October 1 — December 1
ንጥፈታትን መደባትን
August 1 — December 1
Information Database
October 1 — December 1
“ህዝብና: ማዕረ’ቲ ዝርህጾን ዝግብሮን: መጠን’ቲ ዝውንኖ ክብርታትን ጭውነትን ዝዳረግ: ኣብ ዝነብረሉ ሃገር ዝርከብ ጸጋታትን ፖለቲካውን ማሕበራውን መሰላትን ብዝግባእን በቲ ዝድለ ደረጃን ክረብሓሎም ኣይጸንሐን.”
ኤርትራዊ: ከም ኣብ ኤርትራዊ ሃገራውነቱ ኣብ ዝነብረሉ ሃገር’ውን: ጭዋ ባህሉ ተጎዝጕዙ: ባህሊ ስራሕን ትምህርትን ብምስሳን: ጽዒሩ ዝነብር: ግዝኣተ ሕጊ ዝነብረሉ ሃገር ኣኽቢሩ ካብ ርሂጹ ዘፍርዮ እናነበረን: ኣብ ዝነብረሉ ከባቢታት ኮማዊ ግቡኣቱ እናፈጸመን ዝነባበር ህዝቢ ምዃኑ ፈታውን ጸላእን ዝፈልጦ ሓቂ ኮይኑ ንረኽቦ። እዚ ህዝቢ’ዚ: ዘይናቱ ዘይደሊ: ኣብ ነውርን ክፋእን ዘይርከብ: ሰላምን ምጽውዋርን ኣዝዩ ዝፈልጥን ዘስተማቕርን ስልጡን ህዝቢ ምዃኑ ኣረጋጊጹ ኢዩ።
እቲ ልዑል ጻዕርን ክብሪ ስራሕን ተዓጢቑ ኣብ ዝነብረሉ ሃገር ኣብ ታሕተዋይን ማእከላይን: ውሑድ ከኣ ኣብ ላዕለዋይ ሞያዊ ስረሓት ተዋፊሩ ናብራ ስደት ገጢሙ ዝሰገረ ቀዳማይ ወለዶ: ብዋጋ ጻዕሩን ረሃጹን ንዝፈረዮም 2ይ ወለዶ ስደትን ድሕሪኦም ዝስዕቡ ወለዶታትን ዓቢ ባብ ዕድል ዘርሓወ ባይታ ትምህርትን ምቕሳም ልዑል ደረጃታት ሞያን ፍልጠትን ሳላ ዘንጸፈ: ሓደስቲ ወለዶታት ኣብ’ዚ ብልዑል ውድድራት ዝሕቆን ዕዳጋ ስራሕ ተስፋ ዝህብ ውጽኢት ከመዝግቡ ይረኣዩ ኣለዉ: እቲ ውጽኢት ገና ኣብ ዕሸሉ ምህላዉ ርዱእ ወሲድና: ኤርትራዊ ኣብ’ቲ ተረኺቡ ዘሎ ዘተባብዕ ደረጃ ከይተሓጽረ: ኣብ ከባቢኡ ዝርከብ መኣዲ ትምህርቲ: ስልጣነን: ሞያን ተወዳዲሩ: ኮማዊ ስምብራት ብዘግህድ ደረጃ ልዑል ዓወት ከመዝግብን ጸብለል ክብልን: ብወዝቢ ዘይኮነ: ብንጹር ራእዪን ብውሁድ ጻዕርን ክረጋገጽ ዘለዎ ኮማዊ ተልእኾ ክኸውን ከኣ ይግባእ።
ኣብ ውዳበ ክትሳተፍ ትደሊ ዶ?
ኣብ ማሕበረኮማት፡ ውዳበታት ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ተወዲብካ ከተበርክትን እንተደሊኻ ኣብዚ ጠዊቕካ ተመዝገብ